Fana: At a Speed of Life!

1 ሺሕን 20 ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሰለስተ ዙር ብዝተገበረ ዜጋታት ካብ ስዑድ ዓረብ ናይ ምምላስ ስራሕ ብሓፈሻ ቁፅሮም 1 ሺሕን 20 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።

ናብ ሃገሮም ካብ ሞንጎ ዝተመለሱ ዜጋታት 11 ህፃናትን ከምዝኾኑ ተገሊፁ፡፡

ተመለስቲ ግቡእ ሓገዝን ክንክንን ብምግባር ናብ ዝተሰናደአሎም ግዚያዊ መዕረፊ ክኸዱ ከምዝተገበረ ካብ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ካብ 12 ሕዳር 2015 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ብዝተገበረ ዜጋታት ናይ ምምላስ ስራሕ ቁፅሮም ልዕሊ 8 ሺሕን 988 ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ምምላስ ተኻኢሉ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.