Fana: At a Speed of Life!

1 ሺሕን 178 ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 1 ሺሕን 178 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ኣፍሊጡ፡፡

ንተመለስቲ ወገናት ሓገዝ ብምግባር ምስ ስድረኦም ናይ ምፅምባር ስራሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር ኣመልኪቱ፡፡

ካብ 4 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ እናተሳለጠ ብዝርከብ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ምምላስ ስራሕ ልዕሊ 46 ሺሕ  ኢትዮጵያውያን ምምላስ ከምዝተኅል ተገሊፁ፡፡

ብኻሊእ መዳይ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ጅቡቲ ኣብታ ሃገር ምስ ዝርከብ ዓለም ለኸ ትካል ፍልሰተኘኛታት ብምትሕብባር 86 ስሩዕ ዘይኮኑ ፍልሰተኛታት ካብ ነጋድ ባቡር ናብ ኢትዮጵያ ክምለሱ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.