1 ሺሕን 167 ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ መዓልቲ ብሰለስተ ዙር ብዝተገበረ ዜጋታት ካብ ስዑድ ዓረብ ናይ ምምላስ ስራሕ ብሓፈሻ ቁፅሮም 1 ሺሕን 167 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።
ናብ ሃገሮም ካብ ሞንጎ ዝተመለሱ ዜጋታት 60 ህፃናትን እንትኾኑ፥ 769 ደቂ ተብዕትዮን 338 ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኾና ተገሊፁ፡፡
ተመለስቲ ግቡእ ሓገዝን ክንክንን ብምግባር ናብ ዝተሰናደአሎም ግዚያዊ መዕረፊ ክኸዱ ከምዝተገበረ ካብ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ክሳብ ሕዚ ብዝተገበረ ዜጋታት ናይ ምምላስ ስራሕ ቁፅሮም ልዕሊ 25 ሺሕን 800 ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ምምላስ ተኻኢሉ፡፡