Fana: At a Speed of Life!

1ይ ዓመት ምስረታ በዓል ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)1ይ ዓመት ታሪኻዊ ምስረታ በዓል ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ወላይታ ሶዶ ብድምቀት ይኽበር ኣሎ።

ናፃ ድሌትን እወንታን ህዝቢታት እቲ ክልል ፍፁም ሰላማዊን ዴሞክራሲያዊን ብዝኾነ ህዝበ ውሳነ 13 ነሓሰ 2015 ዓ.ም ኣብ ከተማ ኣርባምንጭ ኣብ ዝተኻየደ ታሪኻዊ ጉባኤ ምስረታ መበል 12 ክልል ፌደሬሽን ፌዴሪኢ ብምዃን ብዕሊ ከምዝተመስረተ ይዝከር፡፡

ንነዊሕ ዘበናት ብሓድነት ዝተኣሳሰሩ 32 ነባር ብሄረሰባትን ካልኦት ህዝቢታትን ብናፃ ፍቓዶም ቀዳማይ ብዝሃ ህዝቢታት ክልል ኮይኑ ካብ ዝምስረት ሓደ ዓመት ኣቑፂሩ፡፡

እናተኸበረ ኣብ ዝርከብ 1ይ ዓመት ክብረ በዓል ምስረታ ጉዕዞ ሓደ ዓመት እቲ ክልል ብዕምቆት ክድህሰስ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዓውደ ምርኢት ፎቶ ግራፍ፣ ፓናል ዘተን ካልኦት ተተሓሓዝቲ ኩነታትን ከምዝተኻተቱን ኣብ እዋን ምስረታ እቲ ክልል ዝፀደቐ ሕትመት ህገ መንግስት ከምዝከፋፈል እውን ተገሊፁ፡፡

ርዕሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ጥላሁን ከበደ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ፌደራልን ክልልን፣ ኣፈ ጉባኤታት ቤት ምኽሪን ኣባላትን፣ ኣመራርሓ ዞባታት፣ ኣቦታትን ዓበይቲ ዓዲን፣ ምሁራንን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽን ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተረኺቦም።

ብኣበበች ኬሻሞ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.