Fana: At a Speed of Life!

ፖርቹጋል ንሳልሳይ ግዜ ዘጋጠማ ልዑል ባርዕ ሓዊ ንምምካት ትፅዕር ኣለ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖርቹጋል ንሳልሳይ ግዜ ዘጋጠማ ልዑል ሆቦብላ ንፋስ  ባርዕ ሓዊ ንምምካት ፃዕሪ ትገብር ከምዘላ ተገሊፁ።

ትማሊ ሰኑይ 800 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ምቁፅፃር ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣብ ጥቓ ደቡባዊት ከተማ ኦዲሚራ ዝተወለዐ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ንምቁፅፃር ዝተሳተፉ እንትኾኑ÷ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ልዕሊ 1 ሺሕን 400 ሰባት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም።

እቲ ባርዕ ሓዊ ንምቁፅፃር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ብውሑዱ ትሽዓተ ሰራሕተኛታት ምቁፅፃር ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ከምዝቖሰሉ እውን ተገሊፁ።

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ፖርቹጋል ከባቢ ወሽመጥ ባሕሪ ኢቤሪያ ልዕሊ 46 ነጥቢ 4 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ዝልካዕ ሙቐት ዝተመዝገበ እንትኸውን÷ ኣብዚ ዓመት ዝለዓለ መጠን ሙቐት ብምዃን ተመዝጊቡ።

ኣብ ጥቓ ከተማ ኦዴሜራ ዘሎ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ቀዳም ዝጀመረ እንትኸውን÷ ናብ ቀንዲ ማእኸል ቱሪዝም ፖርቹጋል ዝኾነት ክልል፤ ናብ በረኽቲ ቦታታት ደቡብ ልጋርቭ ብሓያል ኣውሎ ንፋስ እናተስፋሕፈሐ ከምዝርከብ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ ኩነታት ልዕሊ 6 ሺሕን 700 መሬት ከምዝዓነወ፣ ብድምር 19 መንደራት፣ ኣርባዕተ መዕረፊ በፃሕቲን ካምቦታትን ከምዝዓነዉ ተገሊፁ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.