Fana: At a Speed of Life!

ፖሊስ ፌዴራል ገበን ብብቕዓት ምክልኻል ዘኽእል ጠንካራ ትካል ምህናፁ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖሊስ ፌዴራል  ኢትዮጵያ ገበን ብብቕዓት ምክልኻል ዘኽእል ጠንካራ ትካል ምህናፁ ኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌዴራል  ኢትዮጵያ ደመላሽ ገብረሚካኤል ገሊፆም።

“ኣፍሪካ ኣብ ጠንካራ ሓድነት፣ ንኹለ መዳይ ፀፅታን ሰላምን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ናይ ዘሎ ጉባኤ ሚኒስትራት ምክልኻል ኣፍሪካ ተሳተፍቲ ኣብ ፖሊስ ፌዴራል  ኢትዮጵያ ዑደት ኣካይዶም።

ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገብረሚካኤል፥ እቲ ትካል ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተመክሮ ብምውሳድን ብምውዳድ ብምስራሕን ምምሕያሻት ከምዝገበረ ኣብቲ ዑደት ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ ካብ ኢትዮጵያ ብተወሳኺ ጠንካራ ዝኾነ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ትካል ንምህናፅ ዘኽእሉ ስራሕቲ የስርሑ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

ብፍላይ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ስራሕቲ ምርመራን ምክልኻልን ገበን ጠመተ ከምዝተውሃቦም ሓቢሮም።

ብሳሙኤል ወርቃየሁ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.