Fana: At a Speed of Life!

ፖሊስ ፌዴራል ገበናት ዕግታን ንምክልኻል እናሰርሐ ምዃኑ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ለካቲት ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍፀሙ ዝተፈላለዩ ገበናት ዕግታን ንምክልኻል ምስ ትካላት ፀፅታ ብምውዳድ እናሰርሐ ከምዝርከብ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኮሚሽነር ጄኔራል ፖሊስ ፌደራል ደመላሽ ገብረሚካኤል ምስ ፋና ቴሌቪዥን ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት÷ ምስ ዕግታ ተተሓሒዞም ዝፍፀሙ ገበናት ንገንዘብ ወይ እውን ንፖለቲካ ዕላማ መፈፀሚ ዝውዕሉ ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሰባት ብምዕጋት ገንዘብ ምሕታት እናተለመደ ምምፅኡ ዝሓበሩ እቶም ኮሚሽነር ጄኔራል÷ እቲ ተግባር ንማሕበረሰብ ናብ ዝተፈላለዩ ቅልውላዋት እናሳጠሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ተግባር መንግስቲ ዝፍፅሞ ንምምሳል ኣብ ውሽጢ ውዳበ ፀፅታ ዝርከቡ ውልቀ ሰባት ብምፅራሕ ዝፍፀም ከምዝኾነ ብተደጋጋሚ ብዝተገበረ ምርመራ ከምዝረጋገፀ ኣብሪሆም፡፡

ኣብዚ ተግባር ገበን ዝተሳተፉ ኣካላት ፀፅታ ሕጋዊ ስጉምቲ እናተወሰደሎም ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ገበን ዕግታን ንምትራፍ ይኹን ንምክልኻል ገበን ዝተፈፀመሎም ውልቀ ሰባት እቲ ገበን ብግዚኡ ንፖሊስ ናይ ዘይምፍላጥ ፀገም ከምዘሎ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ገበነኛታት ተኸታቲልካ ንመሓዝ ዝግበር ፃዕሪ ዕንቅፋት ከምዝኸውን ኣብሪሆም፡፡

ብምንይችል ኣዘዘው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.