Fana: At a Speed of Life!

ፖሊስ ፌዴራል ደምቢ ክዳኑ ክቕይር ኢዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፖሊስ ፌዴራል ናይ ደምቢ ክዳኑ ክቕይር ምዃኑ ኮሚሽነር ጀነራል ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል እንዳሻው ጣሰው ገለፁ።

ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ኣብ ኣፈፃፅማ ትልሚ በጀት ዓመት 2012ን ኣንፈት ትኹረት በጀት ዓመተ 2013ን ኣድሂቡ ንኽልተ መዓልቲ ዘካዶ ግምገማ ትማሊ ዛዚሙ።

ኮሚሽነር ጀነራል ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል እንዳሻው ጣሰው፥ ፖሊስ ፌዴራል ደምቢ ክዳኑ ከምዝቕይርን ዝርዝር መግለፂ ኣብ ዝቕፅል ቀዳም ከምዝወሃብን ገሊፆም።

ቀንዲ ምኽንያት ምቕያር እቲ ደምቢ ክዳን ድማ እቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ናይ ደምቢ ክዳን ብቐሊሉ ስለዝርከብን ኣብ ፀገም ስ-ምግባር ዝተሓባበሩ ፖላዊስ እቲ ክዳን ተኸዲኖም እናተንቀሳቐሱ ምዃኖምን ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

በዙይ ምኽንያት ድማ እቲ ደምቢ ክዳን ተኸዲኖም ዝፍፀሙ ገበናትን ዘረፋታትን ከምዝተበራኸቱ ኣፍሊጦም።

ብኻሊእ መዳይ፥ ኣብ 2013 ዓ.ም ፖሊስ ዩኒቨርሲቲ፣ ቱሪዝምን ኢንዱስትሪ ፓርከክታትን ዝብሉ ሓደሽቲ ዘፈራት ፖሊስ ብብርኪ ፈተነ ናብ ስራሕ ከምዝኣትዉ እቶም ኮሚሽነር ገሊፆም።

ካብ ፈተነ ዝርከቡ ልምዲታት ብምውሳድ እቶም ዘፈራት ብዘላቕነት ክስረሐሎም ዝኽእል ኩነታት ከምዝህሉ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.