Fana: At a Speed of Life!

ፖሊስ ፌዴራል ኣብ ኣፍሪካ ካብ ዘለዉ ብሉፃት ሓሙሽተ ትካላት ፖሊስ ሓደ ንምግባር እናተሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖሊስ ፌዴራል ኣብ 2022 ዓ.ም ኣብ ኣፍሪካ ካብ ዘለዉ ብሉፃት ሓሙሽተ ትካላት ፖሊስ ሓደ ንምግባር እናተሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ።

ኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌዴራል ደመላሽ ገብረሚካኤል ኣብ ዋና ቤት ዕዮ ብምርካብ ድሉውነት ሎጂስቲክስ እቲ ትካል ተዓዚቦም።

በዚ ድማ ብሓዱሽ መልዑ ዝተወደበ ናይ ፖሊስ ጋራዥ ማእኸላት ፅገና ዓቕሞም ብምድንፋዕን ኣሰራረሐኦምን ናብ ዲጅታል ብምድንፋዕ ናይ ከበድቲን ቀለልቲን ተሸከርከርቲ መለዋወጢ ብውልቀ ዓቕሚ ምፍራይ ከምዝተጀመረ ተመልኪቶም፡፡

እቶም ኮሚሽነር ጀነራል ኣብቲ እዋን ዑደት፤ ሰራዊት ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ዝተዓጠቖም ዓቕሚታት ሎጂስቲክስ ብቐረባ ብምክትታል ዝጎደሉ ናይ ምምላእ ስራሕ እናተወገነ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

እዚ ተግባር ዝበለጠ ኣጠናኺርካ ክቕፅል ብምግባር ኣብ 2022 ዓ.ም ፖሊስ ፌዴራል ኣብ ኣፍሪካ ካብ ሞንጎ ዘለዉ ብሉፃት ሓሙሽተ ትካላት ፖሊስ ዝምደብ፤ ሞያዊ ብቕዓት ዘረጋገፀ፣ መካተቲን ብህዝቢ ዝእመንን ትካል ንምግባር እናተሰርሐ ከምዝኾነ እውን ኣገንዚቦም፡፡

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.