Fana: At a Speed of Life!

ፖሊስ ፌዴራል ምስ ጦር ኮሌጅ ናይጄሪያ ልውውጥ ልምዲ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖሊስ ፌዴራል ምስ ጦር ኮሌጅ ፌዴራል ሪፐብሊክ ናይጄሪያ “ምሕላው ዓውዲ መዓድን ንዝተጠናኸረ ብሄራዊ ድሕነነት” ብዝብል ርእሲ ልውውጥ ልምዲ ገይሩ።

ኮሚሽነር ጄነራል ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገ/ሚካኤል ኣብቲ ልውውጥ ልምዲ÷ ኢትዮጵያ ብዙሕ መዓድን ከምዘለዋ ብምግላፅ መንግስቲ ፖሊሲን መምርሒን ብምምሕያሹ ንልምዓት ልዑል ዓቕሚ ከምዝፈጠረት ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ብብርኪ ሃገርን ዓለም ለኸ ደረጃን ንሰብ ሃፍቲ ኣፍረይቲ መዓድን ሰሓቢት መብፅሒት ከምዝኾነት ኣብሪሆም፡፡

ብኣዛዚ ጦር ኮሌጅ ፌዴራል ሪፐብሊክ ናይጄሪያ ሜጀር ጀነራል ኣይቢ ማይና ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ዓቕሚ ቴክኖሎጂ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ተዘዋዊሩ ከምዝተዓዘበ ካብ ገፅ ፖሊስ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.