Fana: At a Speed of Life!

ፖሊስ ፌደራል ዝጀመሮ ምስፍሕፋሕ ቴክኖሎጂን ከይዲ ለውጢ ኣብ ጫፍ ንምብፃሕን ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና  ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖሊስ ፌደራል ዝጀመሮ ምስፍሕፋሕ ቴክኖሎጂን ከይዲ ለውጢ ኣብ ጫፍ ንምብፃሕን ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ገሊፆም፡፡

ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ዝጀመሮ ናይ ቴክኖሎጂ ምስፍሕፋሕን ከይዲ ለውጢ ኣብ ጫፍ ንምብፃሕንሓቢሮም ከምዝሰርሑ ዋና ፀሓፊ በዓል መዚ በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ገሊፆም፡፡

ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ነዚ ዝበሉ ጉጅለ ልኡኽ (ኢጋድ) ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ኣብ ዝጎብነየሉ ሰዓት እዩ፡፡

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ስራሕትታት ሪፎርም እቲ ትካል ብፍላይ ኣብ ዋና ከተማ ሰላምን ድሕንነትን ንምቁፅፃር ዘገልግል ካሜራ ሲሲቲቪን ኣብ ቀረባ ካብ ኣናሎግ ናብ ዲጂታል ዝተቐየረ መራኸቢ ራድዮ ፖሊስን ከምኡ እውን ገበን ብቐሊሉ ንምቁፅፃር ዘኽእሉ ካሜራታትን ዝተገጠመሎም ዘመናዊ ፓትሮላትን ተሸከርከርትን ተዓዚቦም፡፡

ኮሚሽነር ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ጀነራል ደመላሽ ገብረሚካኤል÷ካሜራ ሲሲቲቪን ዲጂታል መራኸቢ ራድዮን ከምኡ እውን ካሜራ ዝተገጠመሎም ዘመናዊ ተሸከርከርቲ ፓትሮል ፖሊስ ዓለም ለኻዊ ደረጃኦም ዝሓለዉ ዘመናዊ ምዃኖም ነቶም ልኡኻን ገሊፆም፡፡

ካብ ሃገራት ኣፍሪካ ቴክኖሎጂታት ኣብ ጥቕሚ ካብ ሞንጎ ዘውዓላ ሃገራት  ኢትዮጵያ እታ ሓንቲ ከምዝኾነት እውን ተዛሪቦም።

 

 

ኢትዮጵያን፦ እናልማ፣ እንገንባ፣ እንዘጋ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.