Fana: At a Speed of Life!

ፖሊስ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ምስጋና ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ጀሚሩ በዓል ሓዱሽ ዓመት፣ በዓል መስቀል፣ መዓል ኢሬቻ ሆራ ፊንፊኔን ሆራ ኣርሰዴን፣ በዓል ምስረታ ሓዱሽ መንግስቲን ስነ-ስርዓት በዓል ሽመትን ብዘይ ፀገም ፀፅታ ከምዝተዛዘሙ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ኣፍሊጡ።

ኮሚሽነር ጄነራል ፖሊስ ፌዴራል ደመላሽ ገብረሚካኤል ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ዝተፈላለዩ ኣካላት ፀፅታ ብምዃን መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም ድማ ግብረ ሓይሊ ፀፅታ ብግልፂ ትልሚ ተመስሪቱ ስርሑ ከምዝሰርሐ ገሊፆም።

ዝሓለፉ ኩነታት ብዘይ ዝኾነ ፀገም ክዛዘሙ ዝኽኣሉ ኣብ ሞንጎ ትካላት ተናቢብካ ኣብ ምስራሕ ልምዲ ዝተረኸበሉ ኣጋጣሚ ከምዝፈጠረ እውን እቶም ኮሚሽነር ጀነራል ኣብሪሆም።

ብዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ብዝፍጠሩ ምዕፃው መገዲታት ሕብረተሰብ ንዘርአዮ ትዕግስቲ ምስጋና ዘቕረቡ ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ፥ ዝተፈላለዩ ኣባላት ፖሊስን ኣባላት ድሕንነትን ሃገራዊን ህዝባዊን ሓላፍነቶም ብግቡእ ተዋፂኦም ኢዮም ኢሎም።

ዘበናዊ ቴክኖሎጂታት እውን ኣብቲ ልኡኽቶ ተግባራዊ ከምዝኾኑ ብምሕባር፤ እቶም ምሃ ግብሪታት ንምትዕንቓፍ ካብ ግብረ ራዕዲ ህወሓትን ሸኔን ልኡኽ ዝተቐበሉ ውልቀ ሰባት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ገሊፆም።

ኣብ ኢድ እቶም ውልቀ ሰባት ዝተፈላለዩ መሳርሒታት ኲናት ዝትትሓዙ እንትኾኑ፥ እቲ ጉዳይ ምርመራ እናተገበረሉ ስለዝኾነ ኣብ ቀፃሊ ዝርዝር ሓበሬታ ዕላዊ ክኸውን ኢዩ ተባሂሉ።

ብምስክር ስናፍቅ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.