Fana: At a Speed of Life!

ፖሊስን ሕብረተሰብን ብሓባር እንተሰሪሖም ዘይወፅኡዎ ፀገም የለን – ፖሊስ ፌዴራል

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ጥምቀት በዓል ብሰላም ተኸቢሩ ምዝዛሙ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያ ብብርኪ ዓለም ኣብ ዩኔስኮ ካብ ዘመዝገበቶም ዘይድህሰሱ ወከልቲ ሓድጊታት ሓደ ዝኾነ በዓል ጥምቀት ብሰላም ንኽኽበር ብምትሕብባር ከምዝሰርሐ እውን እቲ ኮሚሽን ገሊፁ።

ኮሚሽናት ፖሊስ ፌዴራል፣ ክልላት፣ ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን ከምኡ እውን ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ካልኦት ኣካላት ፍትሒን ደላዪ ሰላም ህዝቢ ኣብ ጎኖም ብምስላፍ ብዝገበሩዎ ዝተዋደደ ስራሕ እቲ በዓል ኣብ መላእ ሃገር ብሰላምን ብድሙቕን ኩነታትን ተኸቢሩ ከምዝወዓለ ኣፍሊጡ ኣሎ፡፡

ኣብ ስራሕቲ ሓለዋ ፀፅታ ዝተዋፈሩ ኣባላት ሰራዊት እውን ደኺሙና ሰልኪዩና እነተይበሉ ካብ ባዕሎም ድሕንነት ህዝቢ ኣቐዲሞም ዝተውሃቦም ሃገራዊ ልኡኽቶ ብብቕዓት ብምውፃእ ዝተውሃቦም ሽቶ ኣዐዊቶም ኢዮም ኢሉ ኣብ መግለፂኡ።

እቲ ኮሚሽን ኣብ መግለፂኡ፥ በዓል ጥምቀት ብሰላም ንኽዛዘም ዓቢዪ ግደ ንዝተፃወቱ መዳርግቲ ኣካላት ኣመስጊኑ።

ልክዕ ከምቲ ናይ ሕዚ ህዝቢን ፖሊስን ተሓባቢሮም እንተሰሪሖም ዘይንሳገሮ ፀገም ሰላም ድሕንነትን ከምዘይህሉ ከምዝተረጋገፀ እውን ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.