Fana: At a Speed of Life!

ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ ምክትል ዋና መካየዲ ስራሕ ኢንስቲትዩት መፅናዕቲ ፖሊሲ ኮይኖም ተሸይሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣቢይ ንፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ ምክትል ዋና መካየዲ ስራሕ ኢንስቲትዩት መፅናዕቲ ፖሊሲ ገይሮም ሸይሞምዎም።

ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ ኣብ ኢትዮጵያ ንብዙሕ ዓማውቲ ኣብ ፖለቲካ እናተንቀሳቐሱ ካብ ዝፀንሑ ውሩያት ሰባት ሓደ ኢዮም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ኣቦ መንበር ፓርቲ ሶሻል ዴሞክራሲ ኢትዮጵያ ኮይኖም እናተንቀሳቐሱ ይርከቡ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብመምህርነት እናገልገሉ ዝፀንሑ ሙሁር እውን ኢዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.