Fana: At a Speed of Life!

ፕሮፌሰራት ኢትዮጵያ ፍልጠቶም ኣብ ልምዓት ሃገር ብምውዓል ዕዙዝ ተሳትፎ ክገብሩ ይግባእ – ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሙሉእ ፕሮፌሰራት ኢትዮጵያ ፍልጠቶምን ዓሚቕ ዓቕሞምን ኣብ ልምዓት ሃገር ብምውዓል ዕዙዝ ተሳትፎ ክገብሩ ከምዝግባእ ላዕለወይቲ ሓላዊት ቤት ምኽሪ ሙሉእ ፕሮፌሰራት ኢትዮጵያ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን።

ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ሙሉእ ፕሮፌሰራት ኢትዮጵያ ይሳለጥ ኣሎ።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ኣብቲ ጉባኤ ተረኺበን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ፥ ሙሁራት ሙሉእ ፕሮፌሰራት ኢትዮጵያ ኣብ ልምዓትን ምዕባለን ሃገር ናይ ባዕሎም ግደ ኣብ ምግባር ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝሰርሑ ገሊፀን።

ኣብ ቀፃሊ እውን ዓቕሚ ምርምርን ፍልጠትን ብምጥንኻር ኣብ ምድንፋዕ ልምዓት ሃገርን ማሕበረሰብን ዕዙዝ ተሳትፎ ክገብሩ ይግባእ ኢለን።

ሚኒስትር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ዶክተር ሳሙኤል ኡርካቶ ብግደኦም፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዓቕሚን ፍልጠትን ሙሉእ ፕሮፌሰራት ናይ ምጥቃም ከይዲ ክንዲ ዝድለ ከምዘይተጓዓዘ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ቀፃሊ ፍልጠት እቶም ሙሁራት ብምጥቃም ዘላቒ ልምዓት ንምርግጋፅ ክስራሕ ኣለዎ ምባሎም ኢብኮ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.