Fana: At a Speed of Life!

ፕሮግራም ብሄራዊ ተሃድሶ ውፅኢታዊ ኣብ ምግባር ዘፈር ውልቀ ብንቕሓት ንኽሳተፍ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሮግራም ብሄራዊ ተሃድሶ ውፅኢታዊ ኣብ ምግባር ዘፈር ውልቀ ተሳትፎ ንኽገብር ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡

ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ዘፈር ውልቀ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ይዛተ ኣሎ።

ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ኣምባሳደር ተሾመ ቶጋ÷ ኣብ ኢትዮጵያ ነበር ተዋጋእቲ ናብ ሰላማዊ ህይወት ንምምላስ ብዝተዋደደ መልክዑ እናተሰርሐ ምዃኑ ኣብሪሆም፡፡

በዚ ድማ ፃውዒት ሰላም መንግስቲ ተቐቢሎም ዕጥቂ ዝፈትሑ ነበር ተዋጋእቲ ናብ ስሩዕ ህይወት ንምምላስ ምድላው ከምዝተወገነ ገሊፆም።

“እቲ ኮሚሽን ዝተጣየሸሉ ዕላም ጋህዲ ንምግባር ምስ መንግስታት ክልል፣ ሲቪል ማሕበራት፣ መራኸብቲ ሓፋሽን ዝጸፈላለያ ትካላትን ብምውዳድ እናተሰርሐ ይርከብ” ኢሎም።

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ዝነበረ ኲናት ብሰላም ንምፍታሕ ኣብ ስምምዕነት ምብፅሑ ስዒቡ ነበር ተዋጋእቲ ናብ ሰላማዊ ህይወት ንምምላስ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ፕሮግራም ውፅኢታዊ ንምግባር ዘፈር ውልቀ ብፋይናንስ፣ ህንፀት ዓቕሚ፣ ብሞያን መሰል ተግባራትን ኣብ ምሕጋዝ ናይ ባዕሉ ግደ ንኽዋፃእ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ብሳሙኤል ወርቃየሁ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.