ፕሮግራም ምግቢ ዓለም መንግስቲ ኢትዮያ ሰብኣዊ ሓገዝ ተበፃሒ ንኽኸውን ዝገብሮ ፃዕሪ ንኢዱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሮግራም ምግቢ ዓለም መንግስቲ ኢትዮያ ኣብ ፀገም ዝርከቡ ዞጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ተበፃሒ ንኽኸውን ዝገብሮ ፃዕሪ ንኢዱ።
ዳይሬክተር ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ክላውድ ጂባር ንግዜኢ ከምዝገለፁዎ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብስእነት ሰላምን ብድርቂን ንዝተጎድኡ ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንኅበፅሖም ልዑል ፃዕሪ እናገበረ ይርከብ፡፡
ንኣብነት ድማ ብዙሓት ሓገዝ ዝፀዓና ተሸከርከርቲ ናብ ትግራይ ተበፃሕቲ ክገብር ምኽኣሉ ኣብሪሆም፡፡
እዚ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ተበፃሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ዝርከበሉ ኩነታት ካብ እዋን ናብ እዋን እናተመሓየሸ ምምፅኡ ዘርኢ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡
ኣብዚ ሰሙን 42 ናይ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም፣ 13 ሓገዝ ትካል ካቶሊክ፣ 12 ናይ መሓዙት ትካላት ተሽከርከርቲ ሓዊሱ 6 ነዳዲ ዝፀዓና ቦጣት ካብ ክልል ዓፋር ናብ ክልል ትግራይ ጉዕዞ ከምዝጀመራ ወሲኾም ሓቢሮም፡፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ምትእጉጓ ተበፃሒ ንኽኸውን ዝወሰዶ ቆራፅነት ብምንኣድ እዚ ድማ እቲ ሓገዝ ንተጎዳእቲ ንኽበፅሕ ምሕጋዙ ኣብሪሆም፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።