Fana: At a Speed of Life!

ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ንግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝተፈላለዩ ሓገዛት ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ንግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓገዝ ተሽከርካሪት፣ መሳርሒታት ቢሮን ቤት ፅሕፈትን ከምኡ እውን ዝተፈላዩ መሳርሒታት ገይሩ።

ሚኒስቴር ገንዘብን ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ምስ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ተዛቲዮም፡፡

ብሚኒስትር ዲኡታ ገንዘብ ያስሚን ወሃቢረቢን ዳይሬክተር ኣፍሪካ እቲ ፕሮግራም ኣሁና ኢዚኮኖዋን ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ከተማ መቐለ ዑደት ገይሩ፡፡

እቲ ልኡኽ ናይ ሓደ መዓልቲ ዑደት ዝገበረ እንትኸውን፥ ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ምስ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ዶክተር ሙሉ ነጋን ካልኦት ሰብ መዚ እቲ ግዚያዊ ምምሕዳርን ተዛቲዮም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.