Fana: At a Speed of Life!

ፕሮግራም ልምዓት ውሕመ ብሔራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ንዘሳልጦም ተግባራት ሓገዝ ከምዝገብር ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ሰላም ብናልፍ ኣንዷለም ምስ ሓላፊት ቢሮ ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ) ኣብ ኣፍሪካ ኣሁና ኢዚያኮንዋ ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ኣፈፃፅሐ ሓፈሻዊ ስምምዕነት ሰላም ኣድሂቦም ተመያይጦም።

ኣብ ስራሕቲ ከይዲ ህንፀት ሰላም ዘሎ ርክብ ንምጥንኻርን ኣብ ቀረባ እቃን ዝተጣየሸ ብሔራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ስርሑ ውፅኢታዊ ንኽኸውን ብሓባር ንምስራሕ ብዕቱብ ከምዝተዛተዩ ተገሊፁ።

ኣሁና ኢዚያኮንዋ÷ ፕሮግራም ልምዓት ውሕመ (ዩ ኤን ዲ ፒ ) ኣብ ስራሕቲ ከይዲ ህንፀት ሰላም ምስ ኢትዮጵያ ብሓባርን ብምትሕብባርን ከምዝሰርሕ ተዛሪበን።

ኣብቀፃሊ እቲ ብሔራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ንዘሳልጦም ዕጥቂ ምፍታሕ፣ እግሪ ምትካል፣ ዳግመ ህንፀትን ተመዛበልቲ ናብ ዝነበሩዎ ናይ ምምላስን ተግባራት ብሓባር ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፀን።

ኣይተ ብናልፍ ኣንዷለም ብግደኦም÷ ዩ ኤን ዲፒ ንኢትዮጵያ እናገበሮ ዝርከብ ሓገዝን ምትሕብባርን ምስጋና ምቕራቦም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

ብመራኦል ከድር

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.