ፕሮጀክት ዳግመ ህንፀት ትራንስሚሽንን ዲስትሪቢዩሽንን ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተትሓዘ ዓመት ንምዝዛም ይስራሕ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብልዑል ሸርፊ ወፃኢ እናተወገነ ዝርከብ ፕሮጀክት ዳግመ ህንፀት መዓበዪ ዓቕሚ ትራንስሚሽንን ዲስትሪቢዩሽንን ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተትሓዘ ዓመት ንምዝዛም እናተሰርሐ ምዃኑ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢኣን ኣብ ውሽጢ 50 ኪሎ ሜትር ራዲየስ መስመራት ዲስትሪቢዩሽን ዓቕሚ ብምዕባይ ተወሳኺ ጠለብ ሓይሊ ንኸተኣናግድ ብኽነት ሓይሊ ንምንካይ ከምኡ እውን እቲ መሰረተ ልምዓት ኣብ ሓደ ማእኸል ኮይንካ ንምቁፅፃር ዘኽእል ፕሮጀክት 87 ነጥቢ 94 ሚኢታዊ ስራሕ ከምዝተዛዘመ እቲ ኣገልግሎት ኣፍሊጡ፡፡
እቲ ፕሮጀክት ነዊሕ እዋን ዘገልገሉ ናይ ዕንፀይቲ ፓሎታት ብኮንክሪት ምልዋጥ ሓዊሱ እቶም መስመራት ብዝሐሸ ፅሬት ብምሕዳስ ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኸ ዝመፅአ ጠለብ ሓይሊ ከምዘዕግብን ምስ ምእራግ መስረማት ተተሓሒዙ ዝፍጠር ቁርራፅ ሓይሊ ኣዚዩ ከምዝንክዮ ተሓቢሩ፡፡
ክሳብ ሕዚ ብዘ 9 ሺሕ 644 ፓሎታት ዕንጨቲ ብኮንክሪት ፓሎ ተለዊጦም፤ 347 ነጥቢ 39 ኪሎ ሜትሮ ብቐሊል ንኽክእ ምኽንያት ሓይሊ ከይቁርራፅ ዝሕግዙ ዝርገሐ መከላኸሊ መስመር ከምዝተወገነ ንፋና ዲጂታል ገሊፁ፡፡
ብዮሃንስ ደርበው