Fana: At a Speed of Life!

ፕሮጀክት ምዕቛር ናይ ዝናብ ማይ ብድርቂ ተጎዳእቲ ኣብ ዝኾኑ ከባቢታት ንምትግባር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሮጀክት ምዕቛር ናይ ዝናብ ማይ ብድርቂ ተጎዳእቲ ኣብ ዝኾኑ ከባቢታት ንምትግባር እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ኢንጂነር ሃብታሙ ኢተፋ ገሊፆም።

“ግድበይ ኣብ ኢደይ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ማይ ኢትዮጵያ ብብርኪ ፈተነ እቲ ፕሮጀክት ተፈቲኑ ውፅኢታዊ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ካብቲ ተሞክሮ ብምብጋስ ድማ ብድርቂ ተጎዳእቲ ኣብ ዝኾኑ ዞባ ቦረናን ኣብ ክልል ኣምሓራን ህንፀት ፕሮጀክት እናተኻየደ ከምዝርከብ እቲ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ።

ኢንጂነር ሐብታሙ ኢተፋ ከምዝገለፁዎ÷ ፕሮጀክት ምዕቛር ማይ “ግድበይ ኣብ ኢደይ” ኣብ ዞባ ቦረና ኣብ ዝርከቡ ኣቢያተ ትምህርቲን መንደራትን እናተተግበረ ይርከብ።

እቲ ፕሮጀክት ናይ ዝናብ ማይ ብምእካብ ብዘበናዊ መልክዑ ናብ ዝተሃነፀ ዒላ ብምጥርቓም ንፅህንኡ ብዝተሓለወ መልክዑ ብትሑት ማሽን ብምውፃእ ሕብረተሰብ ንኽጥቀም ከምዝግበር ኣብሪሆም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.