Fana: At a Speed of Life!

ፕሮጀክት ምስፍሕፋሕ ሓይሊ ሃፋ ከርሰ ምድሪ ኣሉቶ ላንጋኖ ብሓደ ጉድጓድ ፈተነ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሮጀክት ምስፍሕፋሕ ሓይሊ ሃፋ ከርሰ ምድሪ ኣሉቶ ላንጋኖ ብሓደ ጉድጓድ ብዕሊ ፈተነ ጀሚሩ።

ኣካየዲ ስራሕ እቲ ፕሮጀክት ኣይተ ሲሳይ ፍቃዱ፥ ኣለሻ ኳዕቲ ሃፋ ከርሰ ምድሪ ኣሉቶ ካብ ሞንጎ ዝተዛዘመሎም ጎዳጉዲ ሓደ ኣብ ዝኾነ ብዕሊ ፈተነ ፍርያት ከምዝጀመረ  ኣፍሊጦም።

እቶም መካየዲ ስራሕ ከምዝገለፁዎ፥ ሓምሻይ ኳቲ ጉድጓድ 700 ሜትሮ በፂሑ፡፡

21 ጉንበት 2013 ዓ.ም ብዕሊ ዝተጀመረ ፕሮጀክት ምስፍሕፋሕ ከርሰ ምድሪ ኣሉቶ ላንጋኖ፥ ሻድሻይ ኣለሻ ኢንፋሎት ካዕቲ ጉድጓድ ንምጅማር መኹቲ ማሽን (ሪግ) ናብ ዝኳዓት ቦታ ብምንቅስቓስ ናይ ምትካእ ስራሕ እናተሳለጠ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ሓደ ጉድጓድ ንምኹዓት ብማእኸላይ ክሳብ 75 መዓልቲ ይውድእ ዝበሉ ኣይተ መሳይ፥ “ኳዕቶም ካብ ሞንጎ ዝተዛዘሙ ኣርባዕተ ጎዳጉዲ ሓደ ዞኾነ ፈተነ ስራሕ ፍርያት ድሕሪ ክልተ ሰሙን ክጅመር ኢዩ” ኢሎም፡፡

እቲ ኳዕቲ ጉድጓድ ኣለሻ ሃፋ ናብ ከርሰ ምድሪ ክሳብ 3 ሺሕ ሜትሮ ዕምቆት ዘለዎ እንትኸውን፥ እቲ ፕሮጀክት ክሳብ 70 ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምፍልፋል ተሓሲቡ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ካብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.