ፕሮጀክታት መስኖ ኣብ ዝተቐመጠሎም ስርዓት ኣሰራርሓ መሰረት ጥራሕ ንኽቕፅሉ ይስራሕ ኣሎ – ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ቀፃሊ ዝጅመሩ ኩሎም ፕሮጀክታት መስኖ ብዝተቐመጠሎም ስታንዳርድን ስርዓት ኣሰራርሓን መሰረት ብምግባር ጥራሕ ንኽቕፅሉ እናተሰርሐ ይርከብ ክብሉ ሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባቢን ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 4ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 10ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ሎሚ መዓልቲ ዘካየደ እንትኸውን÷ ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ካብ ኣባላት ባይቶ ንዝቐረቡሎም ሕቶታት ምላሽ መብርሂን ሂቦም፡፡
ኣብ መብርሂኦም ድማ÷ እቲ ባይቶ ዝህቦ እታወት መበገሲ ብምግባር ተካሎም ዝሓዞም ፕሮጀክታት ብዝድለ ቅልጣፈን ፅሬትን ክዛዝም ዘይከኣለሉ ምኽንያት ብምፍላይ እናሰርሐ ምፅንሑ ተዛሪቦም፡፡
ሕድሕድ ፕሮጀክታት ዘለዎ ኩነታትን ዝበፅሖ ደረጃን ንምፍላይ ፈተነ ከምዝተገበረ ብምግላፅ፤ ፀገማት ንምፍላይን መፍትሒ ንምትእልላሽን ገምገማት ከምዝነበሩ፣ ምስ ሕድሐድ ኣማኻሪን ተቛራፂ ስራሕን ልዝብን ዘተን ከምዝተገበረ ተዛሪቦም፡፡
ፕሮጀክታት ዝምረፁሉ፣ መፅናዕቲ ዝጅመረሉ ከምኡ እውን ናብ ተግባር ዝኣትዉሉ ኩነታት ብዝምልከት ግልፂ ዝኾነ ስርዓት ኣሰራርሓ ምሕንፃፅ ቅድሚት ዝወሃቦ ጉዳይ ኢዩ ብምባል ገሊፆም።
ኣብ ከይዲ ዲዛይንን ዕድጊትን ዝነበሩ ፀገማት ከምኡ እውን ኣብ ህንፀት ዝፍጠሩ ፀገማት ንምፍታሕ ፅሬት ዲዛይን ፕሮጀክት ንምሕላው ዝሕግዙ 30 ዝኾኑ ስታንዳርድታት ከምዝተሓንፀፁ እውን ኣብሪሆም፡፡