ፕሬዚዳንት ፑቲን ትካላት ንግዲ ሩሲያ ምስ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ንኽተሓባበሩ ኣተሓሳሲቦም
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ትካላት ንግዲ ሃሮም ምስ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ንኽተሓባበሩ ኣተሓሳሲቦም፡፡
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ጉባኤ ሕብረት ኢንዱስትሪን ፈጠርቲ ስራሕን ሩሲያ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ፤ እተን ትካላት ምስ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ኣብ ዝህሉ ምንቅስቓስ ንግዲ ብንቕሓት ከምዝሳተፉ ዘለዎም እምነት ገሊፆም፡፡
ብሓፈሻ ዓመታዊ ኣታዊ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 4 ነጥቢ 9 ሚኢታዊ ከምዝዓበየ እውን ኣዘኻኺሮም፡፡
ነዚ ድማ ትካላት ንግዲ ሩሲያ ምስ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ብምትሕብባር ህሰርሑ ከምዝግባእ ብኣፅንኦት ምግላፆም ሓበሬታ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ሩሲያ የመላኽት፡፡
ሩሲያ ምስ ሃገራት ብሪክስ ኣብ ዓውዲታት ሓይሊ፣ ኢንዱስትሪ፣ ፋይናንስን መሰል ዘፈራትን ዘለዋ ምትሕብባር እናዓበየ ከምዝመፅአ እውን ኣረጋጊፆም፡፡