Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ፑቲን ቁፅሪ ወታደራት ሩሲያ ብ180 ሺሕ ንኽውስኽ ኣዚዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ቁፅሪ ወታደራት እታ ሃገር ብ180 ሺሕ ንኽውስኽ ትእዛዝ ሂቦም፡፡

እቶም ፕሬዚዳንት ቁፅሪ ወታደራት ሩሲያ ንምውሳኽ ዘኽእል ኣዋጅ ከምዝፈረሙ ሚኒስቴር ምክልኻል እታ ሃገር ኣፍሊጡ፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ ሓፈሻዊ ቁፅሪ ወታደራት ሩሲያ ናብ 2 ነጥቢ 4 ሚሊየን ከምዝፅጋዕ ተሓቢሩ፡፡

እቲ ኣዋጅ ጥንኩርን ዘይድፈርን ሰራዊት ሩሲያ ንምህናፅ ዝዓለመ ከምዝኾነ ኣቐባሊ ቃል ክሬሚሊን ዲሜትሪ ፔስኮቭ ብምሕባር፤ ኣብ ልዕሊ ሩሲያ ዝካየድ ናይ ኢደዙር ኲናት ንምምካት ዝሕግዝ ስጉምቲ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡

ፕሬዚዳንት ፑቲን መንግስቲ ንሚኒስቴር ምክልኻል እታ ሃገር ኣድላዪ በጀት ንኽምድብ ትእዛዝ ከምዝሃቡ እውን ኣርቲ ፀብፂቡ፡፡

ሩሲያ ምስ ዩክሬን ናብ ኲናት ድሕሪ ምእታዋ ፑቲን ቁፅሪ ወታደራት ሃገሮም ንኽውስኽ ትእዛዝ እንትህቡ እቲ ናይ ሕዚ ን3ይ ግዘ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.