Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ጆ ባይደን ምስ ፕሬዚዳንት ዜለንስኪ ኣብ ዋሺንግተን ክዛተዩ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ምስ ፕሬዚዳንት ዩክሬን ቮሎድሚር ዜለንስኪ ኣብ ዋሺንግተን ክዛተዩ ኢዮም ተባሂሉ።

ፕሬዚዳንት ዜለንስኪ ፅባሕ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝገብርዎ ዑደት ስራሕ፥ ኣብ ዩክሬን ዝግበር ሓገዝ ዝጠመተ ዘተ ምስ ፕሬዚዳንት ጆ ባይደን ከምዝገብሩ ኢዩ ተሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ ኮንግረስ ኣሜሪካ ነታ ሃገር ዝግበር ህፁፅ ሓገዝ ዕላዊ ንምግባር ይዛተ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ፕሬዚዳንት ዜለንስኪ ኩሎም ሴናተራት ኣብ ዝተረኸብሉ መደረ ከምዝገብሩ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ምስ መራሒ ሴኔት ቹክ ሹመር፣ መራሒ ሪፐብሊካን ሚች ማክኔል፣ ሓጋዚ ኣመራርሓ ሴኔትን ኣፈ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪን ማይክ ጆንሰን ብምርኻብ ክላዘቡ ኢዮም ክብል ሲ ኤን ኤን ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.