Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ጆን ማጉፉሊ ግዕዝይና ንምክልኻልን ጥንኩር ባህሊ ስራሕ ንምድንፋዕን ብርቲዕ ፃዕሪ ገይሮም – ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ፕሬዚዳንት ታንዛኒያ ጆን ማጉፉሊ ግዕዝይና ንምክልኻልን ጥንኩር ባህሊ ስራሕ ንምድንፋዕን ብርቲዕ ፃዕሪ ምግባሮም ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን።

እተን ፕሬዚዳንት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ታንዛኒያ ተረኺበን ብሕልፈት ፕሬዚዳንት ጆን ማጉፉሊ ዝተሰመዐን ሓዘን ገሊፀን።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ፥ ንህዝቢን መንግስቲን ከምኡ እውን ንስድራቤት እቶም ፕሬዚዳንትን ብሽም ህዝቢን መንግስቲን ብሽመንን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ፥ ፕሬዚዳንት ማጉፉሊ ዕቤትን ሰላምን ሃገሮም ንምምፃእ ብዝገበረኦ ፃዕሪ እናተዘከሩ ከምዝነብሩ ገሊፀን።

ግዕዝይናን ብልሹው ኣሰራርሓን ብምክልኻል ከምኡ እውን ኣብ ሞንጎ ዜጋታት ባህሊ ስራሕ ንኽፍጠር ዝገበሩዎ ፃዕሪ እውን ኣዘኻኺረን።

እቶም ፕሬዚዳንት ፈታዊ ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውያንን ነይሮም ዝበላ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ፥ ቅድሚ ሽዱሽተ ሰሙን ኣብ ዳሬሰላም እንትረኽበኦም ኣብ ሙሉእ ጥዕና ከምዝነበሩ ገሊፀን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.