Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ዜለንስኪ ምስ ሩሲያ ዝግበሩ ዘለዉ ዘተታት ከምዝቐፀሉ ተዛሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣2014 (ኤፍ ቢሲ)ፕሬዚዳንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዜለንስኪ ኣብ መንጎ ሃገሮምን ሩሲያን ዝግበሩ ዘለዉ ዘተታት ከምዝቐፀሉ ተዛሪቦም።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ቴሌግራም ሒሳቦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እቲ ኲናት ብኣሽሓት ንዝቑፀሩ ዜጋታት ሞትን ምፍንቓልን ምኽኒያት ከመዘኾነ ሓቢሮም።

እዚ ደው ንምባል ድማ ምስ ሩሲያ ዝግበር ድርድር ከቢድን ኣፀጋሚን እንተኾነ እውን ካብ እዋን ናብ እዋን ምምሕያሽ ብምርኣይ ንቕድሚት ይስጉም ከምዘሎ ገሊፆም።

ክልቲአን ሃገራት ናብ ሰላም ንምምላስ ኣፀጋሚ እኳ እንተኾነ፥ ተወከልቲ ዩክሬን ድርድር እቲ ሰላም ውፅኢታዊ ንክኸውን ናይ ባዕሎም ፃዕሪ ከምዝገብሩ ሓቢሮም።

ፕሬዚዳንት ዜለንስኪ እቶም ዝግበሩ ዘለዉ ዘተታት እወንታዊ ምምሕያሽ ከምዘለዎም ምዝራቦም ኣናዶሉ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.