Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ኬንያ ዊሊያም ሩቶ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ኬንያ ዊሊያም ሩቶ ኣብ መበል 36 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።

ኣብ መበል 36 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ኣዲስ ኣበባ ይኣትዉ ኣለዉ።

ሎሚ መዓልቲ ፕሬዚዳንት ኬንያ ዊሊያም ሩቶ፣ ፕሬዚዳንት ሩዋንዳ ፖል ካጋሜ፣ ፕሬዚዳንት ሌሴቶ ሳም ማትኬኔ፣ ፕሬዚዳንት ኬፕ ቬርዴ ሆዜ ማሪያ ፔሬራ፣ ፕሬዚዳንት ሞዛምቢክ ፊሊፔ ንዩሲ፣ ፕሬዚዳንት ሞሪታኒያ መሓመድ ኦውልድ ጋውዛኒን ካልኦት መራሕቲን ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።

እቶም መራሕቲ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ አንትበፅሑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣቀባብላ ገይረሙሎም።

እቲ ጉባኤ ካብ 11 ክሳብ 12 ለካቲት 2015 ዓ.ም ዝሳለጥ እንትኸውን፥ “ዞባዊ ናፃ ንግዲ ኣፍሪካ ትግበራ ምቅልጣፍ” ብዝብል መሪሕ ቃል ክካየድ ኢዩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.