Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ናይጀሪያ ሙሃመዱ ቡሃሪ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ናይጀሪያ ሙሃመዱ ቡሃሪ ኣብ መበል 35 ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።

እቲ ጉባኤ፥ “ዓቕሚ ስርዓተ ምግቢ ኣህጉር ኣፍሪካ ምህናፅ፣ ልምዓት ሓይሊ ሰብ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ልምዓት የሳልጥ” ብዝበል መሪሕ ቃል ዕለተ ቀዳመ ሰንበት ክካየድ ኢዩ።

ኣብዛ ኣህጉር ዘለዉ ፀገማት ፖለቲካ፣ ኢኮኖሚን ማህበራዊን መፍትሒ ከቐምጥ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ዘሎ እንትኸውን፣ ኣብቲ ጉባኤ ካብ ዝሳተፉ መራሕቲ ኣፍሪካ ፕሬዚዳንት ናይጀሪያ ሙሃመዱ ቡሃሪ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም ኣለዉ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ፣ ሚኒስተር ግብርና፣ ሚኒስተር ሰብኣዊ ጉዳያትን ሚኒስትር ጥዕናን ዘካተተ ከመዝኾነ እውን ተገሊፁ።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ መዕርፎ ነፈርት ቦሌ እንትበፅሑ ሚኒስተር ሰላም ኣይተ ብናልፍ አንዱዓለም፣ ሚኒስተር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ፣ ሚኒስተር ዴኤታ ሚኒስትረ ጉዳያት ወፃኢ ብርቱካን አያኖን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መነግስቲን ኣቀባብላ ገይረሙሎም።

ብተመሳሳሊ ምክትል ፕሬዚዳንት ጋምቢያ ሪፐብሊክ ኢሳቱ ቶራይ ኣብ መበል 35 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍረካ ንምስታፍ ትማሊ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም ኢዮም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.