Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ትራምፕ ካብ ዝሕከምሉ ዝነበሩ ሆስፒታል ሎሚ መዓልቲ ክወፅኡ ከምዝኽእሉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መስከረም፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ክትትል ሕክምና ቫይረስኮሮና ይገብሩሉ ካብ ዝነበሩ ሆስፒታል ሎሚ መዓልቲ ክወፅኡ ከምዝኽእሉ ተገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብኮቪድ-19 ዝተለኸፉ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ሆስፒታል ክትትል ሕክምና ቫይረስኮሮና ይግበረሎም ከምዘሎ ይፍለጥ።

ቅድም ክብል ኣበየናይ ብርኪ ሕማም ከምዝርከቡ ንብዙሓት ከዘራርብ ዝፀንሐ ኩነታት ጥዕና እቶም ፕሬዚዳንት፥ ሎሚ ሰኑይ ካብ ሆስፒታል ክወፅእ ከምዝኽእሉ ግምታት ኣሎ።

እቶም ፕሬዚዳንት መጠን ኦክስጅኖም ክልተ ግዘ ኣንቆልቂሉ ከምዝነበረ ይግለፅ።

ብመሰረት እዚ “ስተሮይድ” ዝተበሃለ መድሓኒት ክወሃቦም ክኢሉ ኢዩ።

ትራምፕ ቀለልቲ ምልክታት ቫይረስኮሮና ከምዘርኣዩ ዝገለፀ ዋይት ሃውስ፥ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ መጠን ኦክስጅኑ ክልተ ግዘ ምውራዱ ስዒቡ ሓገዝ ኦክስጅን ከምዝተውሃቦም ኣረጋጊፁ።

ይኹን እንበር መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ብምግባር ትሚሊ ሰንበት ንደገፍቶም ሰላም ንምባል ብሃንደበት ኣብ ህዝቢ ብምርኣዮም፥ ብሰንኪ እቲ እቲ ተግባሮም ነቐፌታ ኣስዒብሎም ኢዩ።

ወሃቢ ቃል ዲሞክራትስ ሃኪም ጀፍሪስ፥ ልዕሊ 205 ሽሕ ኣሜሪካውያን ብሰንኪ ቫይረስኮሮና ሀይወቶም ስኢኖም ኢዮም። ስለዝኾነ ኣመራርሓ ’ምበር ስእሊ ዝሰኣል ኣይኮነን ዘድልየና ብምባል ንተግባር ትራምፕ ተቓዊመምዎ።

ኣብ ከቢድ ኩነታት ንዝርከቡ ሕሙማት ቫይረስኮሮና ከምዝወሃብ ብሰሞያ ዝግለፅ መድሓኒት ስተሮይድ ዴክሳሜታዞን ተዋሂቡዎም ከምዝነበረ’ውን ተገሊፁ።

ይኹን’ምበር ዶናልድ ትራምፕ፥ ጥንካርኦም ንምርኣይ ኣብ ሆስፒታል ኮይኖም እናሰርሑ ዘርእይ ስእልን ናይ ቪድዮ መልእኽትን ብማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ኣቃሊሖም።

“ብዛዕባ ኮቪድ-19 ብዙሕ ተማሂረ እየ። ብተግባር ናብ ቤት-ትምህርቲ ከይደ እየ ተማሂረ። እዚ ሓቀኛ ቤት-ትምህርቲ እዩ እዚ መፅሓፍ ነንብብ ዝበሃለሉ ቤት-ትምህርቲ ኣይኮነን። ረኺበዮ፤ ካብኡ ድማ ተረዲአዮ። ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር እዩ፤ ብዛዕብኡ ድማ ከፍልጥኩም እየ” ብምባል ቅድሚ ሕዚ ብዛዕባ ቫይረስኮሮና ዝነበሮም ኣመለኻኽታ ከምዝተቐየረ ዘመላኽት መልእኽቲ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.