Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ልዕሊ 21 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ከምዝተረኸበ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ በጀት ዓመት 2016 ብዝተፈላዩ ዓውዲታት ልዕሊ 21 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ከምዝተረኸበ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም።

ስነ-ስርዓት መኽፈቲ 6ይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን 4ይ ዓመት ዘበን ስራሕ ይካየድ ኣሎ፡፡

ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብቲ እዋን÷ ንኽልቲኦም ኣቢያተ ምኽሪ ፌዴራል ዓመታዊ ስረሖም ከምዝጀመሩ ብምብሳር ዓመታዊ ትልሚ መንግስቲ ፌዴራል ኣቕሪቦም፡፡

ኣብ መደረኦም ድማ ሓፈሻዊ ዝቕባበ ዋጋ ናብ 18 ነጥቢ ትሕት ከምዝበለ ኣልዒሎም፡፡

ኣብ በጀት ዓመት 2016 ፍርያታት ወፃኢ ንግዲ ዝንቕን ሓደሽቲ መብፅሒ ዕዳጋን ብምስፋሕ ካብ ወፃኢ ንግዲ 3 ነጥቢ 8 ቢሊየን ዶላር ከምዝተረኸበ ገሊፆም፡፡

እዚ ድማ ምስ በጀት ዓመት 2015 እንትነፃፀር 4 ነጥቢ 8 ሚኢታዊ ሓለፋ ከምዘለዎ ኣብሪሆም፡፡

ኣብቲ በጀት ዓመት ካብ ንግዲ ወፃኢ ሸቐጣት፣ ዘፈር ኣገልግሎት፣ ካብ ሓዋላን ቀጥተኛ ኢንቨስትመንትን ብሓፈሻ ልዕሊ 21 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ከምዝተረኸበ ተዛሪቦም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.