Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ታንዛኒያ ጆን ማጉፉሊ ካብዛዓለም ብሞት ተፈሊዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2013(ኤፍ ቢሲ)ፕሬዚዳንት ታንዛኒያ ጆን ማጉፉሊ ኣብ መበል 61 ዓመቶም ካብዛዓለም ብሞት ተፈሊዮም።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ከተማ ዳሬሰላም ዝርከብ ሆስፒታል ክትትል ሕክምና እናገበሩ ድሕሪ ምፅናሕ ኢዩ ህይወቶም ሓሊፉ ዘሎ።

ሕልፈት እቶም ፕሬዚዳንት ዘፍለጡ ምክትል ፕሬዚዳንት ሳሚያ ሱሉሁ እንትኾና፥ ምኽንያት ሕልፈቶም ድማ ምስ ሓማም ልቢ ዝተተሓሓዘ ከምዝኾነ ገሊፀን።

ፕሬዚዳንት ማጉፉሊ ንሰሙናት ዘኣክል ካብ ህዝቢ ርሒቖም ምፅነሖም ተሓቢሩ።

ክሳብ ሕዚ ብወገን መንግስቲ ኣይረጋገፅ እምበር ተቓወምቲ እታ ሃገር ቅድሚ ክልተ ሰሙን ቫይረስኮሮና ከምዝተረኸቦም እናተዛረቡ ምንባሮም ይዝከር፡፡

ንሕልፈቶም ስዒቡ እተን ምክትል ፕሬዚዳንት ስልጣን ክርከባ ኢየን ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.