Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሺ ዥንፒንግ ንሃገራት ኣፍሪካ ድጋፍ 51 ቢሊየን ዶላር ንምግባር ቃል ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ዥንፒንግ ንምፍጣር ዕድል ስራሕ ዝኸውን ንሃገራት ኣፍሪካ ድጋፍ 51 ቢሊየን ዶላር ንምግባር ቃል ኣቲዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ካልኦት መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካን ኣብ ዝተረኸቡሉ ጉባኤ ቻይና ኣፍሪካ ይሳለጥ ኣሎ።

ፕሬዚዳንት ሺ ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ንሃገራት ኣፍሪካ ልዕሊ 1 ሚሊየን ዕድላት ስራሕ ንምፍጣር ዘኽእል ድጋፍ 51 ቢሊየን ዶላር ንምግባር ቃል ኣቲዮም።

ቻይና ኣብ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ምዕባለ ኢንዱስትሪ፣ ግብርናን ንግዲን  ብዙሓት ስራሕቲ እንትትፍፅም ምፅንሓ ኣዘኻኺሮም።

እዚ ድማ ቤጂንግን ንሃገራት ደቡብ ተመራፂት መሻርኽቲ ለምዓት ከምዝገበረ ኣብሪሆም።

ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ቻይናን ኣፍሪካን ፅኑዕ ርክብ ምምስራቶም ብምዝኽኻር፥ እዚ ርክብ ናብ ዝሓሸ በርኪ ንምስግጋር ከምዝግባእ ኣፅንኦት ሂቦም።

ብኣፈወርቅ እያዩ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.