Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሶማሌላንድ ኣብ ቱሪዝም ወሓዚ ሩባ ወንጪ ደንዲ ዑደት ኣሳሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሶማሌላንድ ሙሴ ቢሂ ኣብዲ ኣብ ቱሪዝም ወሓዚ ሩባ ወንጪ ደንዲ ዑደት ኣሳሊጦም።

ኣብቲ መርሃ ገብሪ ዑደት፥ ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ኣብረሃም በላይ(ዶ/ር)፣ ኣማኻሪ ሚኒስትር ብሄራዊ ድሕንነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴንን ካልኦት ላዕለዎት ሰብ መዚ ፌዴራልን ክልል ኦሮሚያን ተረኺቦም።

ከም ፀብፃብ ኦቢኤን፥ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ሃፍቲ ተፈጥሮ ዘለዋ ሃገር እንተኾነት እውን እቲ ዓውዲ ብዘይምልማዓ ተረባሒት ኣይኮነትን ክብሉ ኣምባሳደር ሬድዋን ገሊፆም።

ይኹን እንበር ኣብዚ ሐዚ እዋን መንግስቲ ነቲ ዓውዲ ልዑል ቆላሕታ ብምሃቡ ፅባቐ እታ ሃገር ንምልዋጥ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ሃፍቲ ተፈጥሮና ብምልማዕን ብምፍላጥን ሰፋሕቲ ስራሕቲ ይስርሑ ኣለዉ እውን ምባሎ ተሓቢሩ።

ኢትዮጵያ ትማሊ በሪ ባሕሪ ምርካብ ዘኽእላ ስምምዐነት ምስ ሶማሌላንድ ምኽታማ ብምዝኽኻር፥ ኣብ ቀፃሊ እውን እቲ ምትሕብባር ኣብ ዓውዲታት ቱሪዝም፣ ባህሊን ወዘተን ከምዝጠናኸር ኣብሪሆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.