Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሴራሊዮንን ምክትል ፕሬዚዳንት ኡጋንዳን ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2015(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 36 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ ፕሬዚዳንት ሴራሊዮን ጁሊየስ ማዳን ምክትል ፕሬዚዳንት ኡጋንዳ ጄሲካ ኣሉፖን ሎሚ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።

እቶም መራሕቲ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ  ቦሌ እንትበፅሑ÷ ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ፣ ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

መበል 36 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ “ትግበራ ስምምዕነት ናፃ ንግዲ ቀጠና ምቅልጣፍ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ዝቕፅሉ ቀዳማን ሰንበትን ከምዝካየድ ግዜኢ ኣብ ፀብፃቡ ኣዘኻኺሩ።

ብተመሳሳሊ ፕሬዚዳንት ታንዛኒያ ሳሚያ ሱሉሁ ኣብ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ ኣዲስ ኣበባ ኣቲየን። እተን ፕሬዚዳንት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሓ፥ ሚኒስትር መዓድን ኢንጂነር ሃብታሙ ተገኝ፣ ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕን ኣቀባብላ ገይሮምለን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.