Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሳህለ ወርቅ ብሕልፈት ኤሚር ኩዌት ሓዘነን ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስስ ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ስህለ ወርቅ ዘውዴ ብሕልፈት ኤሚር ኩዌት ናዋፍ ኣል-ኣሕመድ ኣል-ሳባህ ዝተሰመዐን ሓዘነን ገሊፀን።

እተን ፕሬዚዳንት ኤሚር ኩዌት ሼኽ ናዋፍ ኣል ኣሕማድ ኣል ሳባህ ካብዛ ዓለም ብሞት ምፍላዮም ኣመልኪተን ንዝተክኡዎም ንኤሚር ሼኽ መሻል ኣል ኣሕማድ ኣል ሳባህ፣ ንንጉሳዊ ቤተሰብን ንህዝቢ እታ ሃገርን ብሽም መንግስቲን ህዝቢን ኢትዮጵያ ሓዘነን ገሊፀን፡፡

ርክብ ኢትዮጵያን ኩዌትን ካብ ቀዳማዊ ሃይለ ስላሴ ጀሚሩ ዝፀንሐ እንትኸውን÷ ብፈንድ ኩዌት ኣቢሉ ንኢትዮጵያ ማሕበራዊን ኢካኖሚያዊን ዕቤት ዝገብሩዎ ኣስተዋፅ ዕዙዝ ከምዝኾነ ምግላፁ ካብ ቤት ፅሐፈት ፕሬዚዳንት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብ እዋን ኲናት ኢራቅን ኩዌትን ኢትዮጵያ ወራር ኩዌት ብዕሊ ምቅዋማ ይዝከር።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.