Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ ፕሬዚዳንት ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ታሕሳሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ ፕሬዚዳንት ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ኣክንውሚ ኣዲሲና ተዛቲየን።

ኣብ ዘተአን ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ፕሮጀክታት ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካን ቀፃሊ ዝኾነሉ ዝለዓለ ግደ ትኽረት ዝገበረ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ባንኪ ልምዓት ፍሪካ ኣብ ብዙሓት ዓውዲታት ናይ ነዊሕ እዋን ኣጋር ልምዓት ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

ኣብ ዓውዲታት ሕርሻ፣ ትራንስፖርት፣ ሓይሊን ልምዓት ማይብ እቲ ባንኪ እናገበሮ ዝርከብ ሓገዝ ኣልዒለን።

እቲ ባንኪ ኣብቶም ዓውዲታት ልዕሊ 1 ቢሊየን ዶላር ሓገዝ ምግባሩ እውን ኣዘኻኺረን።

ፕሬዚዳንት ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ኣክንውሚ ኣዲሲና ብግደኦም፥ እቲ ባንኪ ሓሙሽተ ትኹት ኢሉ ዝበሎም ፕሮጀክታት ልምዓት ከምዘለዉ ምግላፆም ካብ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ካብ ሞንጎ እዚኣተን ኢትዮጵያን ኬምያን ዘተኣሳስር ቅልጡፍ መገዲ 1 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ብፋይናንስ እናደገፈ ምዃኑ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንፕሮጀክት ልምዓት ሩባ ቀበና ልዕሊ 400 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ሓገዝ እናገበረ ከምዝኾነ ከም ኣብነት ፀሪሖም።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.