Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ መኣዲ ኣካፊለን

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ዝቕፅሉ በዓላት ፋሲካን ዒድ ኣልፈጥርን ምኽንያት ብምግባር መኣዲ ኣካፊለን።

ኣብ ክፍለ ከተማ ኣራዳ ወረዳ 8 ተረኺበን ንዝተፀገሙ ወገናትን ዓቕመ ደካማታትን መኣዲ ዘካፈላ እተን ፕሬዚዳንን፥ እቲ እዋን ተኸተልቲ እምነት ሃይማኖት ክርስትናን እስልምናን እዋን ፆምን ፀሎትን ከምዝኾነ ብምሕባር ምትሕግጋዝን ምድግጋፍብ ከምዘድሊ ተዛሪበን።

ቅድሚ ሕዚ ብፍላይ ኣብታ ወረዳ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ፣ መናእሰይን ሰገናትን ንምሕጋዝ ፃዕሪ ከምዝተገበረ ብምግላፅ፤ “ኣብዚ እዋን ምትሕግጋዝ ግድን እውን ኢዩ” ምባለን ኢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

ፈፃሚ ስራሕ ክፍለ ከተማ ኣራዳ ወረዳ 8 ሞላ ንጉስ÷ ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ልዕሊ 10 ሺሕ ነበርቲ እታ ክፍለ ከተማ ተረባሕቲ ግዚያዊን ዘላቒን ምክፋል መኣዲ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ንዝተገበረ ሓገዝ እውን ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.