Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ንኬንያውያን መግለፂ ሓዘን ኣመሓላሊፈን

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ብሕልፈት ነበር ፕሬዚዳንት ኬኒያ ዳንኤል አራፕ ሞይ ዝተሰመዐ ሓዘን ገሊፀን።

እተን ፕሬዚዳንት ንፕዚዳንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ ዝተሰመዐን መሪር ሓዘን ገሊፀን።

ዳንኤል አራፕ ሞይ ንናፅነት ኬንያ ዝገበሩዎ ተጋድሎ ዘዘኻኸራ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ፥ ኣብ ምስረታ ኢጋድ ርኡይ ግደ ከምዝነበሮም እውን ገሊፀን።

ፕሪዚዳንት ሞይ ዋላ ብኣካል ይሕለፉ እምበር፥ ንድሕንነት ህዝቦምን ንኣፍሪካን ብዝገበሩዎ ሰናይ ተግባር ኩሉ ግዘ እናተዘከሩ ክነብሩ ኢዮም ብምባል ኣመላኺተን።

ንመላእ ኬንያውያን፣ ንመንግስቲ ኬንያን ንስድራ ቤት እቶም ነበር ፕሬዚዳንትን ድማ ፅንዓት ተመኒየን።

ነበር ፕሬዚዳንት ኬንያ ዳንኤል አራፕ ሞይ ኣብ 94 ዕድሚኦም ካብዚ ዓለም ዝተፈለዩ እንትኾኑ፥ ኬንያ ስነ-ስርዓት ቀብሮም ክሳብ ዝፍፀም ብሄራዊ መዓልቲ ሓዘን ኣዊጃ ኣላ።

ፍልፍል፦ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.