Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ምስ ፕሬዚዳንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ተዛትየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ ፕሬዚዳንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ናይሮቢ ተራኺበን ተዛትየን።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ናይ ሓደ መዓልቲ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ኢየን ሎሚ መዓልቲ ናብ ኬንያ ናይሮቢ ኣቲየን።

ኣብ ፃንሒተን ድማ ምስ ፕሬዚዳንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ናይሮቢ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ተራኺበን ዘተ ኣካይደን።

ኣብቲ ዝገበሩዎ ዘተ ኣብ ክልተኣዊን በዓል ብዙሕ ዘፈር ጉዳያትን ዝተዛተዩ እንትኾኑ፥ ኣብ ምሕላው ሰላም ኣብ ሞንጎ መዋሰንቲ ክልቲአን ሃገራት ዝነብሩ ህዝቢታትን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዝተርኣየ ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ብዝምልከት እውን ዘተ ኣካይደን ኢየን።

እቶም መራሕቲ፥ ኣብ ሞንጎ ተፋሰስቲ ሃገራት ሩባ ኣባይ ዝረአዩ ዘለዉ ፀገማት ኣድሂቦም እውን ልዝብ ኣካይዶም።

ፕሬዚዳንት ሳህለወረቅ ብዛዕባ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣድሂበን ንፕሬዚዳንት ኡሁሩ መብርሂ ሂበንኦም።

ብተወሳኺ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን እናተኻየዱ ዝርከቡ ድርድራት ብዝምልከት ገለፃ ዝገበራሎም እንትኾና፥ ኢትዮጵያ ምስ ተፋሰስቲ ሃገራት ሩባ ኣባይ ሓበራዊ ረብሓ ብዝሓለወ መልክዑ እትሰርሖም ስራሕቲ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ገሊፀን።

ፕሬዚዳንት ኡሁሩ ኬንያታ ብግደኦም፥ ኣፍሪካ በቢእዋኑ እናወሰኸ ዝመፅእ ንዘሎ ድሌት ህዝባ ንምምላእ ሃፍቲ ተፈጥሮኣ ብዘላቒነትን ብምኽንያታዊነትን ክትጥቀመሎም ከምዝግበኣ ተዛሪቦም።

ንኣፍሪካዊ ፀገማት ኣፍሪካዊ መፍትሒ ምእላሽ ከምዝግባእ ዝገለፁ ፕሬዚዳንት ኡሁሩ ኬንያታ፥ ማዕረ ተረባሕነት ሃገራት ተግባራዊ ንምግባር ሕብረት ኣፍሪካ ኣድላዪ ሓገዝ ክገብር ከምዝግባእ እውን ኣብሪሆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.