Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሣህለወርቅ ምስ ኣብ ኣሜሪካ ልኡኻን ሰላም ኢትዮጵያውያን ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣  7 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሣህለወርቅ ዘውዴ ምስ ኣብ ኣሜሪካ ልኡኻን ሰላም ኢትዮጵያውያን ተዛቲየን።

ትሽዓተ ኣባላት ዘለዎን ካብ 13 ትካላት ስቪክ ዝተወከሉን ትውልድ ኢትዮጵያዊያን ዘካተተ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብምዝውዋር ተፈናቐልቲ ጎብኒዩ።

እቶም ኣባላት ኣብ ዝነብሩሎም ከባቢታት እወንታዊ ገፅታ ኢትዮጵያ ኣብ ምህናፅን ኣብ ኣሜሪካ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ብዛዕባ ዓዶም እኹልን ሓቃዊን መረዳእታ ንክህልዎም ንምግባር ፃዕሪ ከምዝገብሩ ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ምፍታው ብተግባር ክግለፅ ከምዝግባእ ኣፅንኦት ዝሃባ ፕሬዘዳንት ሣህለወርቅ÷ ጉዳይ ኢትዮጵያ ነዝተወሰኑ ጥራሕ ዝተኸለለ ኣይኮነን ኢለን።

ተኸኣኢካ፣ ሓቢርካ ምንባር፣ ፍልፍል ሰላም ምዃን እንበር ፍልፍል ፅልኣትን ስቓይን ንዘይምዃን ኩሉ ሰብ ክሰርሕ ከምዝግባእ መልእኽቲ መትሕልላፈን ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ዝረከብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.