Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ማላዊ ኣብ ልዕሊ ናይ ባዕሎም ኣባላት ካቢኔ እገዳ ጉዕዞ ወፃኢ ሃገራት ኣንቢሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ማላዊ ላዛሩስ ቻክዌራ ኣብ ኣብ ርእሶምን ኣባላት ካቢኔኦምን እገዳ ጉዕዞ ወፃኢ ሃገራት ኣንቢሮም።

እቲ እገዳ ጉዕዞ ዓቕሚ ምግዛእ ገንዘብ እታ ሃገር 44 ሚኢታዊ ምድኻሙ ስዒቡ ሸርፊ ወፃኢ ንምድሓን ዝዓለመ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ነዚ ድማ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (ኣይኤምኤፍ) ንመትከሊ እግሪ ኢኮኖሚ ማላዊ ዝውዕል 175 ሚሊየን ዶላር ልቓሕ ኣፅዲቑ፡፡

ፕሬዚዳንት ላዛሩስ እቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ “ኣብ ዝኾነ ይኹን ብርኪ ዝርከብ ኣመራርሓ ክሳብ ዝቕፅል ወርሒ መጋቢት ብገንዘብ መንግስቲ ዝኾነ ይኹን ጉዕዞ ወፃኢ ሃገር ክገብር ኣይኽእልን” ኢሎም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝርከቡ ሚኒስትራት እውን ብቕልጡፍ ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ትእዛዝ ኣመሓላሊፎም፡፡

ንላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ ይወሃብ ዝነበረ ጥቕማጥቕሚ ነዳዲ እውን ብ50 ሚኢታዊ ክንኪ ምውሳኖም ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

ዓቕሚ ምግዛእ ገንዘብ ማላዊ ምድኻሙ ስዒቡ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብታ ሃገር ልዑል ናህሪ ዋጋ ካብ ምህላዉ ሓሊፉ ልዑል ሕፅረት ነዳዲ ከምዘጋጠመ ተሓቢሩ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.