Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንታት ቱርኪን ሩሲያን ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ከምዝዛተዩ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ቱርኪ ሬሲፕ ጣይብ ኤርዶሃንን ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ከምዝዛተዩ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ቱርኪ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቱርኪ ሃካን ፊዳን÷ ፕሬዚዳንታት ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ኣብ ካዛኪስታን ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ትካል ምትሕብባር ሻንጋይ (ኤስሲኦ) ከምዝራኸቡ ብምሕባር፤ ጎድና ጎድኒ እቲ ኣኼባ ከምዝዛተዩ ኣረጋጊፆም።

ኤርዶሃንን ፑቲንን÷ ሩሲያ ምስ ዩክሬን ብዛዕባ ዝኣተወቶ ኲናትን ብወገን ፀሊም ባሕሪ ዘሎ ምንቅስቓስ እኽሊ ንምሕላው ዝግበሩ ፃዕሪታት ጠሚቶም ከምዝዛተዩ ኣርቲ ኒውስ ፀብፂቡ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ብዛዕባ ምምስራት ማእኸል ንግዲ ተፈጥሮ ጋዝ፣ ህንፀት ፍልፍል ሓይሊ ኑክሌር ኣኩዩ ቱርኪን ኣብ ሶሪያ ክልላት ኩርድ ብዛዕባ ዝካየድ መረፃ ክዛተዩ ኢዮም ተባሂሉ፡፡

ኣኼባ ኤስሲኦ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ 3ን 4ን ሓምለ 2024 ኣብ ካዛኪስታን ኣስታና ክካየድ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.