Fana: At a Speed of Life!

ፕሪሚየርሊግ እንግሊዝ ድሕሪ ፅዋዕ ዓለም ሎሚ መዓልቲ ብዝካየዱ ፀወታታት ቦክሲንግ ደይ ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሪሚየርሊግ እንግሊዝ ድሕሪ ፅዋዕ ዓለም ሎሚ መዓልቲ ብዝካየዱ ፀወታታት ቦክሲንግ ደይ ክጅመር ኢዩ።

እቲ ፕሪሚየርሊግ÷ ብምኽንያት ፅዋዕ ዓለም ኳታር ንሓደ ወርሒ ተቛሪፁ ዝፀንሐእንትኸውን÷ ድሕሪ ናይ ሓደ ሰሙን ዕረፍቲ ሎሚ መዓልቲ ፀወታታት ድሮ ልደት (ቦክሲንግ ደይ) ክግበሩ ኢዮም፡፡

ብመሰረት እዚ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 9፡30 ብሬንትፎርድ ምስ ቶትንሃም ሆትስፐርስ፣ ምሸት ሰዓት 2፡30 ኣስቶቪላ ምስ ሊቨርፑል ከምኡ እውን ምሸት ሰዓት 5 ኣርሰናል ምስ ዌስትሃም ዝገብረኦም ፀወታታት ትፅቢት ይግበረሎም፡፡

ክሪስታል ፓላስ ምስ ፉልሃም፣ ኤቨርተን ምስ ወልቭስ፣ ሌሲስተር ሲቲ ምስ ኒውካስትል ዩናይትድ ፣ ሳውዝሃምፕተን ምስ ብራይተን ካልኦት ሎሚ መዓልቲ ዝካየዱ ፀወታታት ኢዮም፡፡

እቲ ሊግ ኣርሰናል ብ37 ነጥቢ እንትትመርሖ÷ ማንቼስተር ሲቲ ብ32 ከምኡ እውን ኒውካስትል ዩናይትድ ብ30 ነጥቢ ይኽተላ፡፡

ተፃዋታይ ማንቼስተር ሲቲ ኧርሊንግ ሃላንድ ብ18 ሽቶታ እንትመርሕ÷ ሃሪ ኬን ብ12 ሸቶታት ከምኡ እውን ተፃዋታይ ብሬንትፎርዱ ኢቫን ቶኒ ብ10 ሸቶታት ይስዕቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.