Fana: At a Speed of Life!

ፓኪስታን ኣብ ዘፈር ንግዲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ክልተኣዊ ርክብ ንምጥንኻር ከምትሰርሕ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓኪስታን ኣብ ዘፈር ንግዲን ቁጣባዊ ሃፍቲን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ክልተኣዊ ርክብ ንምጥንኻር ከምትሰርሕ ገሊፃ።

ፕሬዚዳንት ፓኪስታን ዶ/ር ኣሪፍ ኣልቪ÷ ኣምባሳደር ፓኪስታን ኣብ ኢትዮጵያ ብምዃን ንዝተሸሙ ሚኣን ኣቲፍ ሻሪፍ ኣብቲ ጉዳይ ኣበርቲዖም ንኽሰርሑ መምርሒ ከምዝሃቡዎም ዘ ኔሽን ፀብፂቡ፡፡

እቶም ፕሬዚዳንት÷ ርክብ ማሕበረሰብ ዘፈር ንግዲ ክልቲአን ንኽጠናኸር ምህዳር ንምትዕርራይ እቶም ኣምባሳደር ዘድሊ ኩሉ ንኽገብሩ እውን ኣተሓሳሲቦም፡፡

ኣምባሳደር ሚኣን ኣቲፍ ሻሪፍ÷ ፍርያታት ፓኪስታን ናብ ኢትዮጵያ ንምልኣኽ ኣብ ንግዲ ወፃኢ ምስ ዝተዋፈሩ ነጋዶ ኢትዮጵያ ተቐራሪቦም ንኽዝትዩ እውን ነጊሮምዎም።

ፓኪስታን መናእሰይ ኢትዮጵያውያን ዲፕሎማሰኛታት ተቐቢላ ኣብ ርክባት ወፃኢ ንምስልጣን ዘለዎም ድሌት ነቶም ኣምባሳደር ነጊሮም ኣብቲ ጉዳይ ንኽሰርሑ መምርሒ ከምዝሃቡዎም ተገሊፁ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.