Fana: At a Speed of Life!

ፓኪስታን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ብዝበለፀ ክተጠናኽር ከምትደሊ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ፓኪስታን ናብ ኣፍሪካ መእተዊ ምስ ዝኾነት ኢትዮጵያ ዘለዎ ርክብ ብዝበለፀ ንምዕባይ ቆራፅ ከምዝኾነ ሚኒስትር ምክልኻልን ኣቪዬሽንን እታ ሃገር ኣረጋጊፆም፡፡

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ፓኪስታን ጀማል በከር ምስ ሚኒስትር ምክልኻልን ኣቪዬሽንን እታ ሃገር ካዋጃ ኣሲፍ ኣብ ክልተኣዊ፣ ዞባዊን በዓል ብዙሕ ወገን ርክባትን ኣድሂቦም ተዛቲዮም፡፡

እቶም ኣምባሳደር ኣብቲ እዋን ዘተ÷ መንግስቲ ኢትዮጵያ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ምርግጋእ፣ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ኣብ ምስሓብ፣ መፍረያይነት ኣብ ምዕባይን ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣርን እናሰርሖም ዝርከቡ ምምሕያሻት ኢኮኖሚ ገሊፆም፡፡

ሚኒስትር ካዋጃ ኣሲፍ ብግደኦም÷ ፖሊሲቲታት እታ ሃገር ውፅኢታዊ ብዝኾነ መገዲ ተግባራዊ ንምግባር መንግስቲ ፓኪስታን ናብ ኣፍሪካ መእተዊ ንዝኾነት ኢትዮጵያ ልዑል ትኹረት ከምዝሃበ ምግላፆም ሓበሬታ እቲ ኤምባሲ የመላኽት፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.