Fana: At a Speed of Life!

ፓትሪስ ሞትሴፔ ፕሬዚዳንት ካፍ ብምዃን ዳግም ተመሪፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፓትሪስ ሞትሴፔ ፕሬዚዳንት ኮንፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኣፍሪካ (ካፍ) ብምዃን ብዘይተነሓናሒ ዳግም ተመሪፆም፡፡

ደቡብ አፍሪካዊ ወዲ 63 ዓመት ፕሬዚዳንት ካፍ እዚ እዋን ፓትሪስ ሞትሴፔ ዳግም ምምራፆም ስዒቡ÷ ክሳብ 2029 ብፕሬዚዳንትነት ክመርሑ ኢዮም።

ፕሬዚዳንት ዓለም ለኸ ማሕበር ኩዕሾ እግሪ (ፊፋ) ጂያኒ ኢንፋንቲኖ ኣብ ዝተረኸቡሉ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተኻየደ ፍሉይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ካፍ÷ ፓትሪስ ሞትሴፔ ንተወሰኽቲ ኣርባዕተ ዓመታት ፕሬዚዳንት ካፍ ብምዃን ከምዝመርሑ ተረጋጊፁ፡፡

ሞትሴፔ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2021 ጀሚሮም ፕሬዚዳንት ካፍ ብምዃን ናገልገሉ ምፅነሖም ይፍለጥ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.