ፓትሪስ ሞትሴፔ ፕሬዚዳንት ካፍ ብምዃን ዳግም ተመሪፆም
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፓትሪስ ሞትሴፔ ፕሬዚዳንት ኮንፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኣፍሪካ (ካፍ) ብምዃን ብዘይተነሓናሒ ዳግም ተመሪፆም፡፡
ደቡብ አፍሪካዊ ወዲ 63 ዓመት ፕሬዚዳንት ካፍ እዚ እዋን ፓትሪስ ሞትሴፔ ዳግም ምምራፆም ስዒቡ÷ ክሳብ 2029 ብፕሬዚዳንትነት ክመርሑ ኢዮም።
ፕሬዚዳንት ዓለም ለኸ ማሕበር ኩዕሾ እግሪ (ፊፋ) ጂያኒ ኢንፋንቲኖ ኣብ ዝተረኸቡሉ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተኻየደ ፍሉይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ካፍ÷ ፓትሪስ ሞትሴፔ ንተወሰኽቲ ኣርባዕተ ዓመታት ፕሬዚዳንት ካፍ ብምዃን ከምዝመርሑ ተረጋጊፁ፡፡
ሞትሴፔ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2021 ጀሚሮም ፕሬዚዳንት ካፍ ብምዃን ናገልገሉ ምፅነሖም ይፍለጥ፡፡