Fana: At a Speed of Life!

ፓርክ ኢንዱስትሪ ሃዋሳ ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ኣቑሑት ብናይ ውሽጢ ሃገር ኣብ ምትካእ ብትኹረት እናሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርክ ኢንዱስትሪ ሃዋሳ ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ኣቑሑት ብናይ ውሽጢ ሃገር ኣብ ምትካእ ብትኹረት እናሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ።

ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ፣ ቢሮ ጉዳያት ኮሙኒኬሽን ክልል ሲዳማን ፓርክ ኢንዱስትሪ ሃዋሳን ብሓባር ንሰለስተ መዓልቲ ቱር ሚዲያ ኣካይዶም፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ሰላማዊት ካሳ ኣብቲ ኢንዱስትሪ ፓርክ ኣብ ዝገበረኦ ዑደት÷ እቲ ፓርክ ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ኣቐሑት ምትካእ፣ ኤክስፖርት ምዕባይ፣ ቴክኖሎጂ ምስግጋር፣ ፈጠራ ዕድል ስራሕን ካልኦት ማሕበረሰብ ሓቆፍ ስራሕቲን ብትግሃት እናሰርሐ ከምዝኾነ ከምዝተዓዘባ ገሊፀን፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ካብ ኢንዱስትሪ ዝወፅእ ረሳሕ እናሓከመ መሊስካ ኣብ ስራሕ ንኽውዕል ብምግባር ስግኣት ብኽለት ከባቢ ከምዘትረፈ ምግላፀን ሓበሬታ ቢሮ ኮሙኒኬሽን እቲ ክልል የመላኽት፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.