ፓርትና ክንቅይሮም ምስ ዘይግብኡና ታሪካት ፍፁም ቅርሕንቲ ኣይብሉን-ኣይተ ኣደም ፋራህ
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፓርቲ ብልፅግና ትማሊ ናይ ስርዓተ መነግስቲ ምምሕዳራት ሓደ ኣካል ኮይኖም መስ ዝሓለፉ ክንቅይሮም ምስ ዘይግብኡና ታሪካት ፍፁም ቅርሕንቲ ኣይብሉን ክብሉ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስራዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።
ብብርኪ መትከል ካብ ትማሊ ተማሂሩ፣ ሎሚ ኣፀቢቑ፣ ፅባሕ ዝሓሸ ምግባር ብምእማን ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ንምፍጣር ፃዕሪ ኣብ ብምግባር ዘሎ ፓርቲ ከምዝኾነ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ገሊፆም።
ሕድሳት ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ሓመድ ነጊፉ ኣሰር ናይ ምንባር ስራሕ በዚ ኣተሓሳስባ ዝተቓነየ ኢዩ እውን ኢሎም።
ጥበብን ኢትዮጵያን፣ ስልጥንናን ኢትዮጵያን፣ ህብረ ብሄራዊነትን ኢትዮጵያን፣ ቀዳምነተን ኢትዮጵያን፣ ናይ ሓደ ሳንቲን ክልተ ገፅ ዝኾኑ ብልክዓ ተሰፊዮም ስማ እንትፅዋዕ ሓቢሮም ዝለዓሉ ቅፅላት ከመዝኾኑ ኣብቲ ቦታ ዝተቐመጡ መካይን፣ ናይ ንግስና ካባታት፣ ዙፋንን ዝተፈላለዩ ናይ ሃገርና ከባቢታት ዝገልፁ ውህብቶታትን ካልኦት መግለፂታትን ይምስክሩ ኢሎም።
ትማሊ ታሪክ ኢዩ! ሎሚ ቅርሲ ኢዩ! ፅባሕ ውርሲ ኢዩ እሞ ኣረኣእያና ልዕልነት ኣብ ዝመርሖ ጉዕዞ ብምግባር ንኩላትና እትኸውን ኢትዮጵያ ንምፍጣር ፃዕሪ ንግበር ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።